minetacademy

 

መትከልና (Our Mission)

እቲ ቀንዲ መትከል ናይዚ ቤት ትምህርቲ፡ ተመሃሮ እቲ  ውሽጣዊ ሓይሎም ናይ ምፍላጥ ድሌት ንክሃንጹ፡  ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ምምዕባል ዋንነት ተመስጦ ከሕድሩ፡ ምሉእ ሂወትካ ናይ ምምሃር ፍቕሪ ንኽሓድሮም ኣተኲርካ ምስራሕ ኢዩ።  ማለት ተመሃሮ ውሽጣዊ ዓቅሞም ብዝግባእ መርሚሮም፡ ነቲ ዘለዎም ሓይሊ ብምኽዕባት፡ ነቲ ዘለዎም ድኻማት ድማ በቲ ዝረኽብዎ ሓድሽ ፍልጠትን ክእለትን  ነብሶም ብምምዕባል ምስቲ ህሉዊ ኩነ-ዓለም ብምግጣም ዕዉታት ንምዃን ኢዩ።ነብሲ ወከፍ ተመሃራይ ድማ ሓላፍነት፡ ቀጻሊ ናይ ምዕዋት ህንጡዩነት፡ ኣብ ካልኦት ውን ኣክብሮት ዘለዎ፡ ነቲ ዝደልዮ ንምብጻሕ ድማ ብተጸዋርነት ዝጽዕት ንምዃን ምምሃር።  በተወሳኺ ድማ ተመሃሮ ኣብ ማሕበራዊ  ህንጸት ምትብባዕ።

ራኢና (Our Vision)

ራኢ ናይ ምነት ኣከዳሚ ሓደ ክኢላ፡ ንጹር ራኢ ሃኒጹ ነቲ ራኢኡ ክውን ንምግባር ድማ ብርእሰ ምትእምማን ዝብገስ፡ ኣብ ዕላማኡ ጽኑዕ፡ ኣብ መትከላቱ ኣተኲሩ ዝሰርሕ፡ ከምቲ ናቱ ዕላማ ክዉን ንምግባር ዝሓልሞ ድማ ሕልሚ ካልኦት ውን ክቑጸ ስለዘይብሉ ኣብ ሕብረተሰቡ ሓላፍነት ዝወስድ መንእሰይ ንምፍጣር ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ መንእሰይ ኣብ ንቕሓት ዝተሞርኮሰ ናቱ ናይ ግዛእ ርእሱ ራኢ ሃኒጹ፣ መጻኢኡ ናይ ምምእዛን ሓይሊ ኪውን፣  ሓሳቡ ክፈልጥን ነብሱ ከመሓድርን፣  ብከምኡ ከኣ ኣብ ሕብረተሰቡ መሪሕ ተራ ክጻወትን ኢዩ።

 ፍልስፍና ናይዚ ቤት ትምህርቲ (Our Philosophy)

እቲ ኣብ ዓወት ቀንዲ ወሳንን ኣገዳስን ኣምር ነብሰ-ንቕሓት ኢዩ። ነብሰ ንቕሓት ድማ ቀንዲ መሰረት ናይ  ነብስኻ ምፍላጥን ነብስኻ ምቕባልን ኢዩ። እዞም ኩላቶም ክመጹ ድማ ቅድም ነብስኻ ምፍታሽን ምምድህሳስን ኢዩ ዘድሊ። ነብስኻ እንተፈሊጥካያን ነቶም ዘለዉኻ ሓያል ጎድንታትን ጉድለታትን እንተ ተቐቢልካዮምን ጥራይ ኢኻ ነቲ ዘለካ ድኻማት ንምምሕያሽ ክትብገስን ክትዕወትን ትኽእል። ናብ ዓወት ዝጥምት ራኢ ምስ ሃነጽካ ድማ ርእሰ ምትእምማንን ነብሰ ክብርን ይስመዓካ። ኣብ ስራሕ ኣሳልጦ፡ ኣብ ዕላማኻ ድማ ናይ ምዕዋት ሓይሊኻ ድማ ይልዕል፡ ኣብ ሂወት ውን ትስፉው ትኸውን። ሓደ ትስፉውን ኣብ ዕላማታቱ ድማ ጽኑዕን ሰብ፡ ብዘጋጥምዎ ብድሆታት ኣይስነፍን። እቲ ዘለዎ ንጹር ራኢ ስንቂ ኮይኑ ኢዩ ዘሳግሮ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ኣብ ሂወት ዕዉት ናይ ምዃን ሓይሊ ዝህበካ ኣብ ነብሰ ንቕሓት ዝተሰረተ ነብስካ ናይ ምምዕባል ድሉዉነት ኢዩ። ነብሰ ምዕባለ ድማ ኩሉ ግዜ ኢዩ ዘድሊ። ስለዚ ሂወትካ ምሉእ ተመሃራይ ናይ ምዃን ድሉውነት ምህናጽ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ነብሰ ንቕሓት ኢዩ።

ፖሊሲታት (Policies)

ኩሉ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፖሊሲታት ከም ዘለዉ ዝኽበር ኮይኑ። እቲ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ብፍላይ ንጹር ኪኸውን ዝድለ ግና ዓሌታውነት፣ ኣድልዎ ወይ ሻራነት ዘለዎ ትምህርቲ ምምሃር  ኣይፍቀድን ምዃኑ ኢዩ። ብመሰረት ዓሌት፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ መበቆል፣ መንነት፣ ዜግነት፣ ሃይማኖት፣ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ዕድመ፣ ጾታ፣ ጾታዊ ኣረኣእያ፣  ብናይ ሓዳር ኩነታት፣ ስድራቤት፣ ብደረጃ መነባብሮ፣ ብደርጃ ስርሕ፣ ብደረጃ ትምህርቲ፣  ብስንክልና ወይ  ሕማም ምክንይት ዝገበረ ሻራነት/ ኣድልዎ/ ጸርፊ/ ዝኮነ ዓይነት መጥቃዕቲ ፍቑድ ኣይኮነን። በዚ ሓሳብ እዚ ክንቅየድ ድማ ግድነት ኢዩ። እዚ ወብ-ሳይት እዚ ናይ ሓሳባት መዘራረቢ ኢንበር፣ ናይ ሰባት መፍረዲ ስለዘይኮነ ብዛዕባ ሓሳብ ኢንበር ብዛዕባ ሰብ ምፍራድ ኣይፍቀድን። ስለዚ ኣብዚ ዝመሓላለፍ ትምህርትታት በዚ ሚዛን እዚ ከነሕልፎ ኢና። እቶም ርእይቶታትኩም ትህቡ ድማ ነዚ ኣብ ግምት ገርኩም ርእይቶኹም ብኣክብሮት ክትጽሕፉ ንላቦ።

ጽማቕ ትሕዝቶ

እዚ ወብ-ሳይት ሞራላዊ፣ ስነ ኣእምራዊ፣ ጥዕናዊን ማሕበራዊን ትምህርቲ ዝወሃበሉ ኢዩ። ፍሉይ ካሪክሉም ብሞያውያን ተሰሪዑ ዝተዳለወ፣ ብቀሊሉ ክርዳእ ብዝከኣል ሞደላት ብኪላታት ተቐሪቡ ንግዳሳት ትምህርቲ ብነጻ ክዝርጋሕ ተዳልዩልኩም ኣሎ።

  • እዚ ወብሳይት እዚ ብሓፈሻ ኣብ ነብሰ-ምዕባለ/ነብሰ-ንቕሓት ዘተኮረ ትምህርትታት
    • ምሕደራ ግዜ
    • ምህናጽ ራእን ዕላማን
    • ነብሰ ርጉጽነት
    • ርእሰ ምትእምማን
    • ኣወንታዊ ኣተሓሳስባን ካልእን
    • ኣብ ሜላን ክእለትን ኣዘራርባ(Public Speaking and Communication skills)
  • መሰረታዊ ትምህርቲ ኮምፑተርን ካልእ ናይ ተክኖሎጂ ሓበሬታታትን
  • ኣካላውን ኣእምራውን ሓበሬታ ጥዕና
  • ዝተፈላለዩ ንስራሕን ትምህርትን ዝሕግዙ ሓበሬታታትን
  • ኣካዳምያዊ ሓጋዚ ትምህርታትን ንምድላው ራኢ ሒዙ ዝዳሎ ዘሎ ወብሳይት ኢዩ።

 

መስራቲ ናይዚ ወብ-ሳይት (Founder)፡ Minet Tesfai Hadish, BSN, MSN, ED, Author, Researcher, Coach, Trainer and educator

ምነት ተስፋይ ሓድሽ ኣዳልውን ኣካያድን ናይዚ ወብሳይት፡ ኣብ ኮለጅ ስነ ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ ብነርሲንግ ደግሪ ብልዑል ነጥቢ መዳልያ ዝተሸለመ፡ ምስ ተመረቐ  ድማ ን4 ዓመታት ኣብቲ ኮለጅ ከም ተሓጋጋዚ መምህር፡ ድሒሩ ን2 ዓመት ድማ ከም መምህር ብምስራሕ ኣዝዮም ብዙሓት ክኢላታት ኣፍርዩ ኢዩ። ጎድኒ ጎድኒ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ሓሊበትን ሓዝሓዝን ንተመሃሮ ብግብሪ እንዳመሃረ ሰሪሑ ኢዩ።

ብድሕሪኡ ኣብ ቻይና ኣብ Huazhong University of Science and Technology, Tongji Medical College ማስተርስ ተማሂሩ፡ ነቲ ዝነበሮ ኣፍልጦም ተመኩሮን ኣማዕቢሉ። ብፍላይ  ኣብ ምክያድ መጽናዕትን ምድላው መጽናዕታዊ ጽሑፋትን  ዓቢ ተመኩሮ ደሊቡ ኢዩ። ካብዚ ዝተበገሰ ድማ 5 መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብምድላው ኣብ ዝተፈላለያ ዓለም ለኻዊ ሳይነሳዊ መጽሔታት ኣሕቲሙ ኢዩ። ኣብ 4 ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ሳይነሳዊ  ጉባኤታት (International scientific conferences) መጽናዕትታቱ ብምቕራብ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ኢዩ።

ኣብ ሃገረ ሆላንድ ምስ መጽኤ ውን ነቲ ንሕዝቢ ንምምሃርን ምንቃሕን ዘለዎ ዕላማ ዝተበገሰ Ervaringsdeskundige ማለት ናይ ተመኩሮ ክኢላ  ዝብል ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ መደረን ሜላ ኣዘራርባን(Public Speaking and Communication skills)፡ ብከመይ ንኣሰልጠንቲ ተሰልጥን (Training the trainers), ናይ ነብሰ ምሕደራን ምዕባልለን ኣማኻሪ (personal development coach) ፡ ማሕበራዊ ኣማኻርን ባህላዊ መንጐኛን   (Social counselor & cultural mediator) ዝትሕዝትኡ ሞያ ንሓደ ዓመት ሰልጢኑ።

ሓንቲ “ቅድሚ ፍርዲ ግዜ” እትብል ኣብ ምሕደራ ግዜ ኣተኲራ እትምህር; ኣዝያ ብዙሕ ኣድናቖት ዝረኸበት ፍሉይ ኣገባብ ኣቀራርባ ዘለዋ መጽሓፍ ውን ኣብርኪቱ ኣሎ። ካብዚ ኩሉ ናይ ሂወት ተመኩርኡን ትምህርቱን ኢዩ ኢንበር ተረባሕቲ ንኽንከውን  ነዚ ኣገዳሲ ትምህርታት ዘዳሉ ዘሎ።

 

ሃናጺ ናይዚ ወብ-ሳይትን ናይ ተክኒክ ኣካያድን (Developer and technical manager)

ነባይ ተስፋማርያም ICT

 

ነባይ ኣዝዩ ንጡፍ፡ ኣብ ነብሰ ምዕባለ ኣብ መንእሰያት ኣበርቲዑ ዝሰርሕ መንእሰይ ኢዩ። ካብቲ ዘለዎ ሓያል መንእሰያት ናይ ምህናጽ ድልየት ዝተበገሰ መጻሕፍቲ ኣኪቡ ንምንእሰያት ናይ ምንባባ ሓይሎም ንምዕባይ ዝሰርሕ ዘሎ መንእሰይ ኢዩ። መጻኢኡ ንምውሓስ ድማ ኣብ ICT Software development ኣበርቲዑ ዝመሃርን ዝሰርሕን ዘሎ መንእሰይ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ  እዛ ወብ-ሳይትን ካልኦት  ልዕሊ 4 ዝኮና ወብ-ሳይትን 2 ኣፕልከሸንን  ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ  ከኣ ኣብ ምስራሕን ንቀጻሊ ድማ ኣብ ምክትታልን ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ዘሎ ኢዩ።

Open chat
ሰላም ክንሕግዘኩም፧
Minetacademy
ሰላም Minetacademy ሓገዝ የድልየኒ ኣሎ።